“ኢትዮጵያ ንሰላም ክትገብሮ ትኽእል ኩሉ ገይራ ኢያ” – ኣልስተር ቶምሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ክገብሮ ዝኽእል ኩሉ ከምዝተዋፅአ ኣብ ሊውዚላንድ ንሚዲያ “ስኩፕ” ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ኣልስተር ቶምሰን ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተፈጠረ ፀገም ብልዝብ ንምፍታሕን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ዘለዋ ዓብዪ ድሌት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብምስታፍ እንተይተረፈ ከምዘረጋገፀት ኣልስተር ቶምሰን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ተዛሪቡ፡፡

ሕብረት ኣፍሪካ ብነበር ፕሬዚዳት ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ኣቢሉ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድርዳር ዝጀመሮ ፃዕሪ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዝተዓናቐፈ እውን ኣብሪሁ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፃዕሪ ሕብረት ኣፍሪካ ምስነፀገ ከምብሓዱሽ ናብ ኲናት ከምዝኣተወ ኢዩ ገሊፁ ዘሎ፡፡

ከም ገለፃ ኣልስተርን ቶምሰን፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ክሳብ ሕዚ ዝመፅአሉ ከይዲ ዘመላኽት ሰላማዊ ድርድር ከምዘይደሊ ኢዩ፡፡

ብዙሓት ዓለም ለኸ ኣደራደርቲ ልኡኻት ሓደ ግዘ ናብ ኣዲስ ኣበባ ካሊእ እዋን ድማ ናብ መቐለ እናተመላለሱ ንኸደራድሪ ይፈትኑ እምበር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ በቢእዋኑ ቅድመ ኩነታት እናደርደረ ኣዋርሕ ከምዘቑፀረ ኣብሪሁ፡፡

ጋዜጠኛን ተንታኒን ኣልስተር ቶምሰን÷ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝተጣየሸ ዓቢዪ ኮሚቴ ሰላም መንግስቲ ዘለዎ ድሌት ሰላም ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡

ዝቐረበሉ ኣማራፂ ሰላም ንጎኒ ብምባል ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተደጋገምቲ ወረራታት እናፈፀመን ተወቒዑ ከምዝተመለሰን ኢዩ ኣልስተርን ዝሓበረ፡፡

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ወራር ኣብ ዝገበረሎም ከባቢታት ንፁሃን እናጨፍጨፈ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

የኢትዮጵያ መንግስት ዘላቂ ሰላም ለማስፈን ላሳየው ትዕግስት እና ጥረት ዓለምአቀፉ ማኅበረሰብ እውቅና መስጠት አለበት ሲልም ጋዜጠኛ አልስተር ቶምሰን በአጽንኦት ጠይቋል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዕሳል ንዘርአዮ ትዕግስቲን ፃዕሪን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣፍልጦ ክህብ ይግባእ ክብል እውን ጋዜጠኛ ኣልስተርን ቶምሰን ኣገንዚቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment