ኢትዮጵያ ንሰላምን ደሕንነትን ደቡብ ሱዳን እትገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺራ ንክትቕፅል ተሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንሰላምን ደሕንነትን ደቡብ ሱዳን እትገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺራ ንክትቕፅል ተሓቲታ።

ብሚኒስትር ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ÷ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተልኣኸ መልእኽቲ ንፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብፂሖም።

ዶክተር ኣብርሃም ኣብ እዋናዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን ስምምዕነት ሰላም ኣተገባብራ ተተሓሒዙ ኣብዚ ሰሙን ዝተፈጠረ ሃገራዊ ውጥረት ዘተሓሳሰቦ ምዃኑ ብምግላጽ ኣድላይ ድጋፍ ንምግባር ዘለዎ ድልውነት ኣረጋጊፆም።

ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ኩልግዘ ንሰላምን ምርግጋዕን ደቡብ ሱዳን ልዑል እጃም እናተፃወተት ዝፀንሐት ሃገር ምዃና ብምልዓል፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ እዋን ልኡኻት ምስዳዶም ንኢዶም።

ብተመሳሳሊ ሚኒስተር ሰራዊት ምክልኻል ዶክተር አብርሃም በላይ ምስ ተቐዳሚ ምክትል ፕረዝዳንት ዶክተር ሪክ ማቻር ተመያይጦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘላቒ ሰላም ንኽዓስል ቅድም ክብል ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምርግጋፆም ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዘረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሓለፍቲ እቲ ትካል ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ውሑስ ሰላም ንምርግጋፅ ብዲፕሎማሲን ብምኽባር ሰላምን እናገበረቶ ዝነበረት ፃዕሪ ብሓዱሽ መልክዕ ኣጠናኺራ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment