ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝተልዓለ ሓይሊ ብምድምሳስ ዘይርሳዕ ታሪክ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ጎንፂ ሕድ ሕድ ንክኣትዉ ልዑል ምንቅስቓስ እናገበረ እንተፀንሐ እንትኸውን፥ ናይ ጥፍኣት ተንኮል እቲ ግብረ ራዕዲ ዝተገንዘበ ህዝቢ ብስምዒት ኢትዮጵያውነት ሓደ ብምዃን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምውዳእን ኢትዮጵያ ንምፍራስን ዝተልዓለ ሓይሊ ብምድምሳስ ዘይርሳዕ ታሪክ ይስራሑ ከምዘሎዉ ተወካሊ ኣዛዚን ስታፍን ኮሌጅ መከላከያ ኮ/ል መላኩ እንዳወቀ ገሊፆም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፈፀሞ ኢሰብኣዊ ተግባር ካብ ደቂ ሰባት ትፅቢት ዘይግበር ኣነዋሪ ከምዝኾነ ዘረጋግፁን መርኣያ ጭካንኡን ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እቱ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ምንዛሕ ሓቢሩዎ ዝተፈጠረ መፍለዪ ባህሪኡ ብምዃኑ መላእ ህዝብና ነቲ ገብረ ራዕዲ ብዕራይ ወለደ ዘረባ እዝኑ ብዘይምሃብ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊ ፀጥታን ብምስላፍ ዝጀመሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ምቕፃል ከምዘለዎ ምሕታቶም ካብ መከላከያ ሠራዊት ገፅ ዝረኸብናዮሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment