ኢትዮጵያ ንምድሓን ኣድላዪ መስዋእቲ ክንከፍል ኢና – ኣምባሳደር ሄኖክ ተፈራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንምድሓን ኣድላዪ መስዋእቲ ክንከፍል ኢና ክብሉ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ኣምባሳደር ሄኖክ ተፈራ።

ኣምባሳደር ሄኖክ ተፈራ ምስ ሬዲዮ ፈረንሳይ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ፃንሒት ገይሮም።

ኣብ ፃንሒቶም ድማ ኣብ ትጋራይ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ውንጀላታት ብዝምልከት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኢሰመኮን ዘዳለዉዎ ፀብፃብ ሓዊሱ ብዙሓት ጉዳያት ኣልዒሎም።

ብክልቲኦም ትካላት ብሓባር ተፀኒዑ ዝቐረበ ፀብፃብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዝረኸበ ብምፅራሕ፥ እቲ ፀብፃብ ኣብ ሓቂ ዝተመርኮዘ ብምዃኑን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብተደጋጋሚ እናነዝሖም ዝነበሩ ናይ ሕሶት ውንጀላታት ዘቃለዐ ብምዃኑ ብወገን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት መንግስቲ ጥሜት ከም ማሳርሒ ኲናት ይጥቀም ኣሎ ብምባል ብተደጋጋሚ ክሲ እናቕረበ ይፅሕ እምበር በቲ ፀብፃብ ውድቂ ተገይሩ ኢዩ እውን ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ምጥፋእ ተፈፂሙ ዝብል ተደጋጋሚ ውንጀላ እውን ሓሶት ምዃኑ ካብ ምርግጋፁ ንላዕሊ ኣብቲ ጎንፂ ዝተፈፀመ ጅምላ መቕተልቲ ብህወሓት ዝተፈፀመ ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ኣጉሊሁ ኣርኢዩ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ማይ ካድራ ህወሓት ኣባል ሓደ ብሄር ብምዃኖም ጥራሕ ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ከምዝጨፍጨፈ እቲ ፀብፃብ ኣረጋጊፁ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ምርጋፅ ሰብኣዊ መሰላት ዝተጠርጠሩ ብዙሓት ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ከምዝተገበረ ምሕባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment