ኢትዮጵያ ንምኽባር ሰላም እዚ ቀጣና ቁልፊ ግደ ከምዘለዋ ኣምባሳደር ሰኒ ሮግስትሩፕ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንምኽባር ሰላም እዚ ቀጣና ቁልፊ ግደ ከምዘለዋ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሰኒ ሮግስትሩፕ ገሊፆም።
እቶም ኣምባሳደር፥ ኢትዮጵያ ሰላምን ፀፅታን ብዝምልከት ኣብ መድረኽ ዓለምን ኣህጉርን ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ዘርዚሮም።
ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ልኡኽ ምዕቃብ ሰላም ውሕመ ኣብ ቀጣናዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ብብርኪ ዓለም ሰላም ንምንጋስ ወሳኒ ግደ ከምዝተፃወተት ንግዘኢ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ 1951 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኲናት ኮሪያ ብውሕመ ብዝተመርሐ ሓይሊ ዝነበራ ወሳኒ ተሳትፎ ኣዘኻኺሮም።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ንሰላምን ፀፅታን ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ኣብ ታሪክ ዝተመዝገበ ገልፂ መርኣዪ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
Comments (0)
Add Comment