ኢትዮጵያ ንመበል 28 ዓለም ለኸ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ልዑል ምድላው ከምዝገበረት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንመበል 28 ዓለም ለኸ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ንምስታፍ ልዑል ምድላው ከምዝገበረት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ካብ 20 ሕዳር ክሳብ 2 ታሕሳስ ዝካየድ እቲ ጉባኤ÷ ብሰለስተ ምዕራፋት ዝተኸፈሉ ዝተፈላለዩ ፍፃመታት ከምዝህልዉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ጉባኤ ፈላሞት ክልተ መዓልቲታት ልዕሊ 120 መራሕቲ ሃገራት ኣብ ፖሊሲታት ክሌማዊ ለውጢ ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኢትዮጵያ እውን ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልምዓት ስርናይ፣ ኣብ ስርዓተ ምግቢ ዝሰርሐቶም ስራሕቲ ዝምልከት ዓለም ለኸ መድረኽ ተሞክሮኣ ከምተካፍል ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ጉባኤ÷ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብክሌማዊ ለውጢ ንዝተጎድኡ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ሓገዝ ንምግባር ዝተኣተዉ ቃላት ኣብ ኣተገባብረኦም ምኽክር ከምዝግበር ተሓቢሩ።

በተጎዳኝ የሚደረጉ የሁለትዮሽ ውይይቶችም ይጠበቃሉ።

ብትእግስት ብርሃኔ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment