ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተፈጠረ ጎንፂ ስዒቡ ካብ ዘጋጠማ ቀሊል ዘይበሃል ክሳራ ንምውፃእን መሊስካ ንምህናፅን ባንኪ ዓለምን ካልኦት መሓዙት ኣካላትን ሓገዝ ንኽገብሩ ምክትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ሓቲቶም።
ኣብ ሴኔጋል ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ዓለም ለኸ ማሕበር ባንኪ ዓለም (IDA20) ዝተኻፈሉ ምክትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ህፁፅ መፅናዕቲን ግምገማን ብምግባር በቲ ጎንፂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ብዛዕባ ዘድልዮም ሓገዝ ምፍላይ ገይሩ ብምፍላጡ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2018 ጀሚሩ ንዘሎ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝውዕል 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ምምዳቡ ዝነኣድ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡
ብሓፈሻ ኣፍሪካ ካብ ዘለቶ ፀገም ንኽትወፅን ዝሐሸ ልምዓትን ዝተወደበ ስግግር ኢኮኖሚን ንኽተመዝግብ እንተተደልዩ ወሳኒ ዝበሃል ሓገዝ ፋይናንስ ንኽግበረላ እውን ኣይተ ደመቀ ፀዊዖም።
ኣብ መድረኽ መራሕቲ ፕሮግራም ዓለም ለኸ ማሕበር ባንኪ ዓለም (IDA20)፥ ኣፍሪካ ለውጢ ንብረት ኣየርን ኮቪድ-19ን፣ ዩክሬን ኲናት ዘምፀኦ ጣጣን ዘስአቦ ፀገም ውሕስና ምግቢን ዝበሉ ማሕለኻታት ንምፅዋር ዘኽእል ሓገዝ ከምዝግር እውን ቃል ምእታዉ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com