ኢትዮጵያ ንሓዱሽ ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ብምዃን ንዝተመረፁ ኣብዲራህማን ሞሃመድ ኣብዲላሂ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ምምሕልላፉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ሶማሊላንድ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየደቶ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣብዲራህማን ሞሃመድ ኣብዲላሂ ብምምራፆም ብሽም መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፉ።

ዝተመረፁ ፕሬዚዳንት ኣብዲራህማን ሞሃመድ ኣብዲላሂን ፕሬዚዳንት ሙሴ ቤሂን ንዘርአዩዎ ኣብነታዊ ተግባር ኢትዮጵያ ናእዳ ከምዘለዋ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፤ መፃኢ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዕዉት ግዘ ንኽገጥሞ ተመኒዩ።

ኮሚሽን መረፃ ሶማሊላንድ÷ ሕፁይ ፓርቲ ዋዳኒ ኣብዲራህማን መሓመድ ኣብዲላሂ 63 ነጥቢ 92 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ከምዝተዓወቱ ዕላዊ ግባሩ ይፍለጥ።

Comments (0)
Add Comment