ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ፀገም ባዕላ ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ኣለዋ – ኬንያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)”ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ፀገም ባዕላ ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ኣለዋ ክብላ” ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ሬይቸል ኦማሞ ገሊፀን፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንምዝታይ ንፈለማ እዋን ናብ ኬንያ ምእታዎም ይፍለጥ፡፡

ብመሰረት እዚ ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ሬይቸል ኦማሞ ሓበራዊ መግለፂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ኣብ መግለፂኦም ድማ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣልዒሎም፡፡

እቲን ሚኒስትር ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ፀገም ባዕላ ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ኣለዋ ኢለን ከምዝኣምና ገሊፀን፡፡

“ብጥንካረን ጥበብን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክንኣምን ይግባእ” ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ከም ጎረቤት ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘንፀላለዉዋ ፀገማት ኩሎም መፍትሒ ከምትረክብ እምነተን ገሊፀን፡፡

ምኽንያቱ ድማ ኣብ መወዳእታ ዘላቒ መፍትሒ ክተምፅእ ትኽእል ባዕላ ኢትዮጵያ ኢያ ኢለን፡፡

ከም ጎረቤት ሃገር ናትና ተግባር ንኢትዮጵያ ምሕጋዝ ኢዩ ክብላ ሬይቸል ኦማሞ ኣብ መግለፂአን ኣረጋጊፀን፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment