ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ተሳትፎ ኩሎም ዜጋታት ወሳኒ ኢዩ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ተሳትፎ ኩሎም ዜጋታት ወሳኒ ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሰሙን ሃይማኖት ጉልባብ ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተርኣዩ ህውከታትን ገበናትን ዝተሳተፉ ተጠርጠርቲ ፖሊስ ፌዴራል፣ ሓይሊታት ፀፅታ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ኣብ ቁፅፅር የውዕልዎም ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እቶም ተጠርጠርቲ ግቡእ ፍርዲ ከመዝረኽቡ ድማ ተሓቢሩ።

መንግስቲ፥ ዜጋታት ብሰላም ንከይነበሩ ስግኣት ዝኾኑ፣ ኣብ ልዕሊ ህልውና ሃገር ሓደጋ ንዘንፀላልዉ ኣካላት ምውሳድ ዝጀመሮ ስጉምቲ ብምጥንኻር ከምዝቕፅል ድማ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸበሩ ህዝባዊን ሃይማኖታዊን በዓላት ብዘይካ ኣብ ጎንደር ዘጋጠመ ዘሕዝን ጥፍኣት ከምኡውን ንዕዑ ስዒቡ ኣብ ካልኦት ውሱናት ከባቢታት ዝተርኣየ ካብ ስነ ምግባር ኢትዮጵያዊነት ዘፈንገጠ ገበን እቶም በዓላት ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ምኽባሮም ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቶም በዓላት ካብ ሃይማኖታዊ ኣስተምህርኦም ወፂኦም መተኣናገድቲ ጥፍኣት ንክኾኑ ንምግባርን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ዝነበረ ገመድ ሓድነት ንምብጣስን ዝተለሙ ገበነኛታት ብዙሕ ጥፍኣት ንምብፃሕ ዝፈተንሉ እዋን ከምዝነበረ እወን ሓቢሩ።

ይህ ውጥናቸው ባሰቡት የጥፋት ልክና ባቀዱት የወንጀል ስፋት መጠን እንዳይሳካ ላደረጉት ኢትዮጵያውያን በሙሉ መንግስት ከፍ ያለ ምስጋናውን አቅርቧ።

ይኹን እንበር እቲ ትልሚ ብዝትትሓዘሉ መጠንን ስፍሓትን ንከይፍፀም ንዝገበሩ ኢትዮጵያውያን ብሙሉኦም መንግስቲ ዝለዓለ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ተሳትፎ ኩሎም ዜጋታት ወሳኒ ኢዩ ክብል ድማ ኣፅንኦት ሂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment