ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ንምስጋር ናይ ደም ዋጋ ተኸፊሉ ኢዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስክብራ ናብ ወለዶ ንምስጋር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይ ደም ዋጋ ተኸፊሉ ኢዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም፡፡

መበል 117 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ሓዊሱ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲን ሰራዊትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኸቢሩ፡፡

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ንምስጋር ናይ ደም ዋጋ ተኸፊሉ ኢሎም።

ኣብ ህንፀት ሰራዊት እውን ኢትዮጵያ መሪሕ ካብ ሞንጎ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ብምሕባር÷ ኣብቲ ከባቢ ብዘለዋ ረብሓ ፀላኢ ንምምካት ዝኽእል ሰራዊት ኣለዋ ኢሎም፡፡

“ናይ ወፃኢን ታሪኻዊኻላእቲን ሃገርና ንምድኻም ኣብ ውሽጥና ፅልኢ ዘሪኦም ኢዮም” ዝበሉ እቶም ፊልድ ማርሻል÷ ሰላም ኢትዮጵያ ንምሕዳግ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።

“ፀላእትና ንባዕሉ ዘጥፍእ ሃገር ንኽህልወና እናሰርሑ ይኹኑ እምበር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣና እናተወገኑ ብዝርከቡ ስራሕቲ ድማ ፀላእቲና ብዝበለፀ ተጨኒቖም ኢዮም” ኢሎም፡፡

እዚ ንምምካት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ህይወቱ ከፊሉ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ዋሕስ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብኣለምሰገድ ኣሳዬን ሶሎሞን ይታየውን

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment