ኢትዮጵያ ናብ ትርምስ ክትኣትው ኢያ ዝብል ስግኣት ናይዛ ሃገር ነባራዊ ኩነታት ብዕምቆት ካብዘይምርዳእ ዝፍልፍል ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተፈላለዩ ወገናት ኢትዮጵያ ናብ ትርምስ ክትኣትው ኢያ ዝብል ስግኣቶም ዘይኾንን ናይዛ ሃገር ነባራዊ ኩነታት ብዕምቆት ካብዘይምርዳእ ዝፍልፍልን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ከምዝበልዎ፥ ፈተውቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንዝሃብዎ ትኹረት መንግስቲ ሕጉስ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ይኹን እንበር ኢትዮጵያ ናብ ትርምስ ክትኣትው ኢያ ዝብል ስግኣት ናይዛ ሃገር ነባራዊ ኩነታት ብዕምቆት ካብዘይምርዳእ ዝፍልፍል ኢዩ ኢሎም።

ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ሰላምን ምርግጋዕን ብምንጋስ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ዝዓለመ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ሕጊ ናይ ምኽባር ተልእኾ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከምዝዛዘም ኣብ ዝሃብዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment