ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስን ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ናብ ጉጅለ ብሪክስን ተሓዊሳ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፥ ኣርጀንቲና፣ ግብፅ፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብን ኢሚሬትስ ሕቡራት ዓረብን ብኣባልነት ተቐቢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ነቲ ጉዳይ ዝጠመተ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና እወንታዊ ኣጋጣሚ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንኹሉ ዘካተተን ምዕባለ ዝነገሰሉን ዓለም ለኸ ሰርዓት ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ባዕላ ኣስተዋፅኦ ንምብርካት ድልውቲ ኢያ ክብሉ ኣረጋጊፆም።

መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ ብሪክስ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪካ ተራኺቦም ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጉባኤ ኢዩ እተን ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ናብ ብሪክስ ክሕወሳ ወሲኖም።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ፥ ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪካን ምዃነን ይፍለጥ።

ቀንዲ መዛተይ ርእሰ ጉዳዮም ድማ ሕቶ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት መርሚርካ ንምውሳን’ዩ።

ነቲ ኣኼባ እተአንግድ ዘላ ደቡብ ኣፍሪካ፥ ልዕሊ 40 ሃገራት ኣባል ናይቲ ኪዳን ክኾና ሕቶ ከምዘቕረባ ኣፍሊጣ።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፥ ኣርጀንቲና፣ ግብፅ፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብን ኢሚሬትስ ሕቡራት ዓረብን ብኣባልነት ተቐቢሉ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment