ኢትዮጵያ ናብ ምትግባር ዝተማለአ መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣቲያ

ሕዚ ዝበፅሐና ዜና
ኢትዮጵያ ናብ ምትግባር ዝተማለአ መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣቲያ
መግለፂ ፕሮግራም መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ
ፖለቲካዊ ለውጢ 2010 ዓ.ም ስዒቡ መንግስቲ ብዙሓት ተግባራት መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣካይዱ ኢዩ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝተዋህለሉ መሰረታዊ ፀገማት ኢኮኖሚ ንምፍታሕ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ሪፎርም እናገበረ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።
ፅዕንቶ ዕዳ፣ ጋና ብዙሕ ስራሕ ዝጠልብ ናህሪ ዋጋ፣ ስእነት ስራሕ፣ ምዝሕሓል ለውጢ፣ ትሑት መፍረያይነት ዘፈር፣ ትሑት ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትታት ልምዓትን ብኽነት ሃፍቲን፤ ዝተረከብናም ቀንዲ ቀንዲ ዕዳታት ኢኮኖሚ ኢዮም።
ከይዲታት መመሓየሺ ፖሊሲን ሕጊን እቲ ኢኮኖሚ ናብ ዝተረጋገአ ሃዋህው ማክሮ ኢኮኖሚ ንኽሰጋገር ሓድሽ ተስፋ ኣምፂኡ ኢዩ።
ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ.ም ናብ ቀዳማይ ምዕራፍ ትግበራ ምዕራፍ ሃገር በቆል ፕሮግራም መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝተርፉዎ እኳ እንተሃለዉ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ሓሳባት ዘካተተን ሰፋሕቲ ዕላማታት ሸቶታትን ኢኮኖሚ ዘዕወተ ነይሩ፡፡ ምዝባዕ ሚዛን ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ፅዕንቶ ዕዳ ንምቅላል፣ ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገር ንምዕባይ፣ ፍልፍላት ዕቤት ኢኮኖሚ ንምስፋሕ፣ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን መሰረታዊ ማሕለኻታት ንምእራም ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪን ውፅኢታት ተረኺቦም ኢዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ቀፃሊ ዝኾነ ዕቤት ኢኮኖሚ ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ እናምፅኣ ካብ ሞንገ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ ክትከውን ክኢላ። ካብ 2010 ክሳብ 2015 ኣብ ዘለዉ በጀት ዓመታት ብማእኸላይ ዕቤት ፍርያት ውሽጢ ሃገር 7 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ በፂሑ።
በዚ ድማ ሃገርና ኣብ ምህዳር ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ርኡይ ግደ ዘለዋ ሃገር ክትከውን ክኢላ ኢያ። ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዘለዋ ቆራፅነት እውን ኣርኢያ ኢያ። ኢትዮጵያ ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝዓበየ ኢኮኖሚ ክትሃንፅ ክኢላ ኣላ። ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ሳልሳይ ዝዓበየ ኢኮኖሚ ትውንን ሃገር ኮይና ኣላ። መንግስቲ ናይ ኣታዊ ግብሪ ናይ ምእካብ ዓቕሙ ተመሓይሹ ኢዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝፀደቐ ካልኣይ ምዕራፍ መመሓየሺ ፕሮግራም ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝተረፉ ስራሕቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምዝዛም መንግስቲ ዘለዎ ቆራፅነት ዘረጋግፅ ኢዩ።
እዚ ፕሮግራም ኣብ ኣርባዕተ ዓምዲታት ዝተሃነፀ ኢዩ፡-
(1) ምርግጋእ ማክሮ ኢኮኖሚን ዘላቕነት ዝድግፍ ዘበናዊን ጥዑን ማዕቐፍ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚን ምምስራጥ፤
(2) ፈጠራ ዘበረታትዕ ምቹው ኢንቨስትመንትን ዘፈር ንግዲን ከባቢን ተወዳዳራይነትን ምዕባይ፣
(3) ዓቕሚ ፍርያትን መፍረያይነትን ውሽጢ ሃገር ምጥንኻርን
(4) ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎትን ብብቕዓት ንምቕራብ ዓቕሚ መንግስቲ ምዕባይን ኢዮም።
መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዛዕባና ንጥንኩር፣ ብውልቀ ዘፈር ንዝምራሕ፣ ኩለመዳይ ምዕባለ ኢኮኖሚን ፈጠራ ዕድል ስራሕን መሰረት ዝኸውን ኢዩ።
እቲ ፕሮግራም ኣብ ዝትግበረሉ እዋን ልዑልን ዝተረጋገአን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ንፅል ኣሃዝ ዝቕባበ ዋጋን ክህሉ ኢዩ ተባሂሉ ሸቶ ተታሒዙ ኣሎ። ምዝባዕ ሸርፊ ወፃኢ ብምስትኽኻል፣ ዓውዲ ፋይናንስ ብዝበለፀ ብምጥንኻ፣ ናህሪ ዋጋ ብምቁፅፃር፣ ኣታዊ ታክስ ብምዕባይ፣ ውፅኢታውነት ኢንቨስትመንት መንግስቲ ብውፅኢታውነት ብምምሕያሽ፣ ዕዳ መንግስቲ ብዘላቒነት ብምርግጋፅ፣ ተወዳዳራይነትን ጥዕናን ዓውዲ ባንኪ ብምድንፋዕን ከባቢ ኢንቨስትመንት ንግዲ ብምምሕያሽ፣ ብብርኪ ዓለም ዘበናዊን ተወዳዳሪን ስርዓት ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዓብዪ ሃገራዊ ሸቶ ተነቢሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንትግበራ ሃገር በቆል መሓየሺ ኢኮኖሚ ፕሮግራምና ልዑል ሓገዝ ፋይናንስ ምተኣኻቢ ፃዕሪታትን ድርድራትን እናተገበሩ ፀኒሖም ኢዮም። እቶም ድርድራት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዝሕልዉን ተረባሕነት ዜጋታትና ዘረጋግፁን ከምዝኾኑ ንምርግጋፅ ኣብ ፍልጠትን ብብስለትን ንኽምርሑ ተገይሩ ኢዩ። ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ብዘቐመጦም ቀንዲ ቀንዲ ቅደም ተኸተል ዕላማታት ማክሮ ኢኮኖሚን መመሓየሺ ፖሊሲን መሰረት ኣብ ስምምዕነት ምብፃሕ ተኻሉ።
እዚ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ፣ ብባንኪ ዓለምን ካልኦት ወሰንቲ መሓዙት ልምዓትን ዝድገፍ ኢዩ።
ዝተመስረተሉ እውን ኣብ ፕሮግራም ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚናን ኣብ ማእኸላይ ዘበን ኢንቨስትመንትን ትልሚ ልምዓትና ኢዩ።
ቀንዲ ዕላማታትን ሸቶታትን እቲ መመሓየሺ ፕሮግራም ማክሮ ኢኮኖሚ፡-
(1) ምዝባዕ ሸርፊ ወፃኢ ምስትኽኻን ፀገማት ጉድለት ሚዛን ናይ ነዊሕ እዋን ክፍሊት ወፃኢን ምፍታሕ፣

(2) ማዕቐፍ ፖሊሲ ገንዘብ ብምዝማን ናህሪ ዋጋ ምንካይ፣

(3) ተቓላዕነት ዕዳ ብምፍታሕ ናይ ውሽጢ ሃገር ኣታዊ ብምዕባይ ሃገራዊ ጠለባት ልምዓት ብዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ንምዕዋት ምቹ መደላድል ምፍጣር፣
(4) ኣሳታፋይነት፣ ተወዳዳራይነትን ጥዕናን ዓውዲ ፋይናንስ ምጥንኻርን
(5) ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ ብምምሕያሽ፣ ክሌማዊ ለውጢ ብምፅዋርን ሉኣላዊነት ምግቢ ብምርግጋፅ፤ ጥንኩር፣ ኣሳታፋይን ዘላቒ ስርዓት ኢኮኖሚን ምህናፅ ኢዮም።
ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሸቶታት ንምዕዋት ትካላት ውሽጢ ሃገር ምጥንኻርን ናይ ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸን መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኣተገባብራ መመሓየሺ እቲ ፖሊሲ ክሳተፉ ብምግባር ግልፅነት ንምፍጣር ተኻኢሉ ኣሎ።
እዚ ድማ ሃገርና ምስቲ መመሓየሺ ፕሮግራም ፖሊሲ ተተሓሒዞም ዝመፅኡ ሓደሽቲ ዕድላት ፋይናንስ ልምዓት፣ ዕድላት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብግቡእ ንኽትጥቀም ዘኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ምትሕብባር ምሕዝነትን ምውዳድን ሃገራዊ ዘፈር ውልቀ ዝመርሖ ኣንፈት ዕቤት ንኽዕወት ምግባር ንዘፈር ውልቀ ኩለመዳያዊ ዕድላት ዝፈጥር ኢዩ።
መንግስቲ ከም ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ገንዘብን ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ንዝበሉ ቁልፊ ትካላት ማክሮ ኢኮኖሚ ሓገዝ ብምግባር ትካላዊ ዓቕሚ ከምዘጠናኽር ገሊፁ። “እዞም ትካላት ፖሊሲታት ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ምውፃእ፣ ኣብ ምትግባር ከምኡ እውን ፀዕንቶኦም ኣብ ምክትታልን ምግምጋምን ወሳኒ ግደ ዝፃወቱ ኢዮም” ኢሉ።
በተመሳሳሊ መልክዑ መንግስቲ ነቲ መመሓየሺ ፕሮግራም ማክሮ ኢኮኖሚ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ግልፅነት ዘለዎ ርክብ ከምዝፈጥር ተገሊፂ። ካብዚ ብተወሳኺ ተቓላዕነት ክፋላት ሕብረተሰብ ንምድጋፍ ዘኽእሉ ተግባራት ክውገኑ ኢዮም ተባሂሉ።
ንፕሮግራማት ማሕበራዊ ሴፍቲኔት ድጎማ ክግበረሎም ኢዩ። ትሑት መሃያ ተኸፈልቲ ንዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እቶም መመሓየሺታት ማክሮ ኢኮኖሚ ከስዕቡዎ ካብ ዝኽእሉ ናይ ሓፂር እዋን ኣሉታዊ ፅዕንቶታት ንምሕላው ንዝተወሰነ እዋን ኣድላዪ ድጎማን ምምሕያሽን መሃያ ክግበሩ ኢዮም።
ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ መንግስቲ ብኽፋል ክድጉም ኢዩ። ከይዲ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀፃልነት ዘለዎ ገምጋም ክግበረሉ ኢዩ። መንግስቲ ኣብ እዋናዊ ሓበሬታ ብምድራኽ ኣብቲ ፕሮግራም እዋናዊ፣ ኣድላዪን ተገማቲን መስተኻኸሊ ፖሊሲ ክገብር ኢዩ።
ከይዲ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ኣብ ኢኮኖሚ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ሰናይ ምምሕዳር ብልሹውነትን ዘይሕጋውነትን ንምክልኻል መንግስቲ ንቑሕ ቁፅፅር ብምግባር ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ።
እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ካልኦት ዝርዝር ጉዳያት ብሚኒስቴር ገንዘብን ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ኣቢሉ በቢእዋኑ ክግለፁ ኢዮም።
ሓምሌ 2016 ዓ.ም.
ኣዲስ ኣበባ
Comments (0)
Add Comment