ኢትዮጵያ ነጠብጣብ ንጥረ ነገር ብነፋሪት ብምንዛሕ ደበና ከምዘዝነበት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ሕፅረት ዝናብን ማይ ከርሰ ምድሪን ንምታሕ ጎዳጎዲ ካብ ምኹዓት ጀሚሩ ክሳብ ደበና ምዝናብ ዝበፅሕ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ከምዝጥቀማ ሚኒስቴር ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ።

ደበና ምዝናብ ዝተለመደ ርካቦት ሳይንስ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ብመንክዕ ሃፋ ዘርከብ እኩብ ማይ ነጠብጣብ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

እቲ ነጠብጣብ ማይ ብምንዛሕ ንጥረ ነገር ኣቢሉ ናብ መሬት ዝናብ ኮይኑ ነክወርድ ምግባር ዝክኣል እንትኸውን፥ እዚ ደበና ምዝናብ (cloud seeding) ከምዝበሃል ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ዝፈተነቶ ብኣውሮፕላን ዝንዛሕ እንትኸውን፥ ኣብ ትሕቲ ደበና ብምዃን እቲ ነጥረ ነገር ብነፋሪት ዝንዘሐሉ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ካልኣይ ኣማራፂ ድማ ልዕሊ መሬት ብዝትከል “ግራውንድ ጀኔሬተር” ኣቢሉ ዝናብ ምዝናብ እንትኸውን፥ ኣብዚ እውን ኢትዮጵያ ፃዕሪ ትገበር ከምዘላ ተሓቢሩ።

እቲ ንጥረ ነገር ዝነዝሕ “ግራውንድ ጄነሬተር” ኣብ እንጠጦ ተኸላ ዝካየድ ዘሎ እንትኸውን፥ ቆፅፅሩ ድማ ኣብ  ሜቲዮሮሎጂ ኤጀንሲ ኣብ ዘሎ ማእኸል ከምዝግበር ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ረብሓ ንክተውዕሎ ሕቡራት ኢሜሬትስ ዓረብ ዝተፈላለዩ ደገፋት ከምዝገበረት ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment