ኢትዮጵያ ትካፈለሉ 3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ፍፃመ መሕንኩሎ ሎሚ መዓልቲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ-ግብሪ ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ፍፃመ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ ኣንስትዮ ምሸት ሰዓት 4ን 10ን ክትሳተፍ ኢያ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ውድድር ፍፃመ ኣትሌት ሎሚ ሙለታን ሲምቦ ኣለማየሁን ልዑል ንሕንሕ ክገብራ ኢየን፡፡

ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መፃረዪ ውድድር÷ ኣትሌት ሎሚ ብ9 ደቒቕ 10 ሰከንድን 73 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ናይ ውልቃ ብሉፅ ሰዓት ምምዝጋባ ይፍለጥ፡፡

ኣትሌት ሲምቦ እውን ብ9 ደቒቕ 15 ሰከንድን 42 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ናብ ፍፃመ ምሕላፋ ይፍለጥ፡፡

ብካሊእ መዳይ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ሰዓት 5ን 05ን ኣብ ዝካየድ መፃረዪ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፣ ድርቤ ወልተጂን ብርቄ ሓየሎም ትፅቢት ይግበረለን፡፡

Comments (0)
Add Comment