ኢትዮጵያ ትራንዛክሽን ኤሌክትሪክ ንምጅማር ኣብ ዘኽእላ ብርኪ ቴክኖሎጂ ከምትርከብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ትራንዛክሽን ኤሌክትሪክ ንምጅማር ኣብ ዘኽእላ ብርኪ ቴክኖሎጂ ከምዝበፅሐት ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣፍሊጦም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ትራንዛክሽን ኤሌክትሪክ ብምትኳር ምስ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጂን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ዝተገበረ ዘተ ኢዮም እዚ ዝገለፁ።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ፥ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ሰብ ሞያታት ሕጊን ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ዘተ እናተገበረሉ ምፅንሑን ካፍቲ ዘተ ዝተረኸቡ እታወታትን ርኢቶታትን ክፅምበሩ ከምዝተገበረን እውን ኣብሪሆም።

ትራንዛክሽን ኤሌክትሪክ ተንቀሳቓሲ ስልኪን መሰል መሳርሒን ሓዊሱ ብኮምፒዩተር ዝተሓገዘ ስራሕቲ መረበብ ሓበሬታ ንምስላጥ ዘኽእል ከምኡ እውን ንግዲ ኤሌክትሮኒክስን ግልጋሎታት መንግስቲን ዝሓውስ ቴክኖሎጂ ምዃኑ ዶክተር ኣብራሃም ገሊፆም።

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፃሕናሉ ብርርኪ መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ ዝተማለአ ኢዩ ዋላ እንተተዘይተባህለ ብዘለና ዓቕሚ ጀሚርና እናመሓየሽና ክንከይድ ይግባእ” ክብሉ ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር ወረቐትን ኮምፒዩተርን ማእኸል ዝገበሩ ሰነዳትን ሓበሬታታትን ዝጥቀሙ ክፋላት ሕብረተሰብ ብማዕረ ንምትእንጋድ፣ ኢትዮጵያ ንግዲ ኤሌክትሮኒክስ ኣብ ረብሓ ንኽተውዕልን ዜጋታት ኣብ ኢኮኖሚ እቲ ዓውዲ ተረባሕቲ ብምግባር ናብ ዲጂታል ዘበን ምፅምባር ንኽትክእልን ከምኡ እውን ኩለመዳይ መንግስታዊ ትካላት ብምህናፅ ሰናይ ምምሕዳር ንምስፋን ዘኽእል ሕጊ ስለዘድሊ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኣዋጅ ዝነበሩ ሕጊታት ንግዲን ግልጋሎትን ኣፍልጦ ዝህብ እምበር ሓዱሽ ሕጊ ከምዘይኮነ ዝገለፁ ዶክተር ኣብራሃም፥ ኢትዮጵያ እቲ ቴክኖለሎጂ ምጥቃማ ዜጋታት ኣብ ዘለዉዎ ከባቢ ኮይም ዝደለዩዎ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ብግድኡ፥ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዝምልከት ብሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝቐረበ መብርሂ እኹል ከምዝኾነ፤ ይኹን እምበር ብመንፅር ተበፃሕነትን ኣጠቓቕማ ቋንቋ ዝበሉ ጉዳያት ዳግም ብምፍታሽ ዓብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ምዕሩ ሰነድ ንኽቐርብን ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፀዲቑ ናብ ተግባር ንኸኣቱ ናይቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ልዑል ፃዕሪ ክገብር ከምዝግበኦ ምግላፁ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment