ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ሕርሻን ቀረብ ሓይሊን ክትጥቀመ ትደሊ – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ሕርሻን ቀረብ ሓይሊን ክትጥቀም ከምትደሊ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን  በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ምስ ዋና ሓላፊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኤነርጂ ኣሌክሴይ ሌካቼቭ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝትግበር ፍኖተ ካርታ ልምዓት ኒውክሌር ዝጠመተ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ኣብ ከተማ ሴይንት ፒተርስበርግ እናተኻየደ ዝርከብ ጉባኤ ሩሲያ ኣፍሪካ ዝተፈረመ እቲ ናይ ሕዚ ሰነድ ኣፈፃፅማ÷ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈረመ ስምምዕ ናብ ግባር ንምስግጋርን ኣብቲ ዓውዲ ግልፂ ኣሰራርሓ ንምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሎሚ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ንስምምዕ ዝበቕዐ ፍኖተ ካርታ ኣጠቓቕማ ኒውክሌር ቴክኖሎጂ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ  ሕክምና፣ ሕርሻ፣ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምርምርን ዘለዋ ዓቕሚ ንምዝማን ዘኽእል ከምዝኾነ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment