ኢትዮጵያ ተጠቃሚት በሪ ባሕሪ ምዃና ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ – ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ተጠቃሚት በሪ ባሕሪ ምዃና ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ምሁራን ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ተመራማሪን መምህርን ቁጠባዊ ሃፍቲ ዱጋሳ ሙሉጌታ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈፀመቶ ስምምዕነት ዘፖባዊ ልምዓት ዘቀላጥፍን ናብ ዕዳጋ ዓለም መውፅኢን መእተዊን ፀገማ ዝፈትሕ ኢዩ ኢሎም።

መምህር ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን በፍቃዱ ዳባ ከምዝገለፁ÷ እቲ ስምምዕነት ምስሓብ ኢንቨስትመንት ኢትየጵያ ብዝበለፀ ተደላዪ ዝገብሮ ኢዩ፡፡

ነበር ዲፕሎማት ብሩክ ሃይሉ (ፕ/ር) ብግደኦም÷ ሓይሊ ኣሰላልፋ ዓለም እናተቐየረ ምምፅኡ ሃገራት ንሓበራዊ ረብሓ ብሓባር ክሰርሓ ዝገብር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈራረመኦ ስምምዕነት እውን ዞባዊ ምትእስሳር ዘጎልብት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“እቲ ምትሕብባር ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ካብ ቁጠባዊ ሃፍቲ ክሳብ ወታደራዊ ጉዳያት ዓቕሚ ዘጠናኽር ኢዩ” ዝበሉ ድማ ተመራማሪ መፅናዕቲ ኣፍሪካ ንጋቱ ኣበበ (ዶ/ር) ኢዮም፡፡

ሓበራዊ ምዕባለን ዘላቒ ሰላምን ኣብ ምርግጋፅ ዞባዊ ምትእስሳር ዘቀላጥፍ ስምምዕነት ከምዝኾነ እውን እቶም ምሁራን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩን ኣሸናፊ ሽብሩን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment