ኢትዮጵያ ተመራፂት መብፅሒት ንምግባር

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ ተመራፂ መብፅሒት በፃሕቲ ንምግባር ኣብ ዝሳለጥ ስራሕ ኣብ ቪዛታት ቱሪስትን ኮንፈረንስን ክሳብ 25 ሚኢታዊ ምንካይ ምግባሩ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንምብርትታዕ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝፀደቐ ደምቢ ቁፅሪ ኢሚግሬሽን 550/2016 ኣብ ኣገልግሎት ዋጋ ተመን ምንካይ ከምዝተገበረ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ማስተዋል ገዳ ኣዘኻኺረን፡፡

በዚ ድማ ናይ ቱሪስት ቪዛ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ 25 ሚኢታዊ ምንካይ ብምግባር ኢትዮጵያ ኣብ መብፅሒት ቱሪዝም ዓለም ተመራፂት ንኽትከውን እናተገበረ ብዘሎ ፃዕሪ ናይ ባዕሉ ግደ እናበርከተ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ንኢትዮጵያ ማእኸል ኮንፈረንስ ቱሪዝም ዓለም ንምግባር ናይ ኮንፈረንስ ቪዛ ክፍሊት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ተመን ብ23 ሚኢታዊ ንኽንኪ ከምዝተገበረ ገሊፀን፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

Comments (0)
Add Comment