ኢትዮጵያ ተሓጋዛይነት ንምትራፍ ኣመራርሓ ብቑርፀኝነት ክሰርሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ብልማዕ ተሓጋዝነት ንምትራፍ ዝጀመረቶ ሽቶ ንምዕዋት ኣመራርሓ ብቑርፀኝነት ክሰርሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌዴራል፥ ” ካብ ተሓጋዝነት ናብ መፍረያይነት ንዝተማልአ ሃገራዊ ክብሪ፣ ነፃነትን ሉዓላዊነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ የሳልጡ ኣለዉ።

ካብ ተሓጋዝት ኣተሓሳስባ ምንጋፍን ብብርኪ ስድራ ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅን ከምዝግባእ ኣብቲ ዘተ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር  ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን (ዶ/ር)ኣለሙ ስሜ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ብዙሓት ፀጋታት ዘለዋ ሃገር እያ ኢሎም።

እቶም ፀጋታት ብዝድለ መገዲ ብዘይምልምዓ ንዘበናት ካብ ተሓጋዝነት ምውፃእ ከምዘይክኣለት ተዛሪቦም።

ተሓጋዝነት ክሳድ ዘድንን ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ካብ ተሓጋዝነት ናብ መፍረያይነት ንምስግጋር ከም ሃገር ዘለዉና ዕቑር ሃፍቲ ብግቡእ ምጥቃም ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment