ኢትዮጵያ ብጀጋኑ ደቃ ብነፃነት ፀኒዓ ክትነብር ኢያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ጀጋኑ ውላድ ስለ ዘለውዋ  ብነፃነት ፀኒዓ ክትነብር ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ምክልኻል ሃገርን ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ኣብ ትሕቲ ዋና መምርሒ ትምህርቲን ስልጠናን ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ዝርከብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢትዮጵያ ዘሰልጠኖም ሕፁያት መኮንንት ኣብ መሰልጠኒ ቤት ትምህርቲ ኮንቲጀንት ሁርሶ ሎሚ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኢትዮጵያ ብጀጋኑ ደቃ ብነፃነት ፀኒዓ ክትነብር ኢያ ኢሎም።

ንኢትዮጵያ ናይ ምምዕባልን ምፅናዕን ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ድማ ኣረጋጊፆም።

አትዮጵያ ጀጋኑ ስለዘለውዋ ኩሉ ግዘ ብነፃነትን ጅግንነትን ክትነብር ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ተመረቕቲ ጅግንነት ኢትዮጵያ ናይ ምፅናዕን ምቕፃልን ሓላፍነት ብተግባር ምርግጋፅ ከምዝግበኦም ኣፅንኦት ሂቦም ገሊፆም።

ተመረቕቲ ፈተና ዘየምበርክኾም፣ ሃገር ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዘሻግሩ ንክኾኑ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ጅግና ማለት ንዝኣተዎ ዕላማ መስዋእቲ ዝኸፍል ምዃኑ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ምስ ሙሉእ ክብራ ንምርካብ ድልውነት ክህሊ ከምዝግባእ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment