ኢትዮጵያ ብዙሓት ጉዳያት ዘዕግብ ውፅኢታት እናመዝገበት ትርከብ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብብዙሓት ጉዳያት ዘዕግብ ውፅኢታት ከምዘመዝገበት ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕረዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ሓላፊ ህዝባዊ ቤት ምኽሪ ቻይና ሊ ሆንግዦንግ ኣብ ቤጂንግ ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያን ቻይናን ብምትእምማንን ኣብ ሓበራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ኩለመዳይ ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ኣይተ ኣደም ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ርክብ በቢእዋኑ እናዓበየ ከምዝመፅአን ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ቻይና ናይ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ሓደ ፍልፍል ኢንቨስትመንት ወፃኢ፣ ሓይሊ ሰብ ወፃኢን ኮንተራትን ከምዝኾነት ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ብዘለዋ ርክብ ኣብ ህንፀት መሰረተ-ልምዓት፣ ትሑት መጠን ወለድ ልቓሕን ከምኡ እውን ኢምፖርትን ስግግር ቴክኖሎጂን ተጠቃሚት ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ብዙሓት ፍርያታት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ቻይና ተቐባልነት እናረኸቡ ከምዝኾኑ ብምሕባር ከምዘልዐሉ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብብዙሓት ጉዳያት ዘዕግቡ ውፅኢታት እናስመዝገበት ከምዝኾነት እውን ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ክትፅምበር መንግስቲ ቻይና ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም፡፡

ፓርቲ ብልፅግና ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብ ዝገብሮ ካልኣይ ጉባኤ ንኽሳተፉ እውን ዕድመ ኣቕሪቦም።

ሊ ሆንግዦንግ ብግደኦም÷ ቻይናን ኢትዮጵያን ርክብ ካብ ዝምስርታ ጀሚሩ ምትሕብባረን በቢእዋኑ እናዕበያ ከምዝመፅኣ ብምሕባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዝበፅሐ ኣብሪሆም።

Comments (0)
Add Comment