ኢትዮጵያ ብዓውዲታት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ዘለዋ ተመክሮ ሂባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብዓውዲታት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ዘለዋ ተመክሮ ኣብ ጋና ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል ሳልሳይ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ኣፍሪካ ከምዝሃበት ኣገለግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ጋና ናና ኣኮፎ ኣዶ ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ካሳ ኢትዮጵያ ኣብ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ዘለዋ ልምዲ ኣቕሪበን።

ኢትዮጵያ መመሓየሺታት ማዕቐፋት ሕጊ ብምክያድ ነቲ ዓውዲ ዝሃበቶ ጠመተ እውን ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ ብኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ብፍላይ ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታን ምክልኻል ጉድኣትን ዝተጀመረ ተግባራት ገሊፀን።

ኣፍሪካ ናይ ባዕላ ታሪክ ብናይ ባዕላ ኣንደበት ምግላፅ መእታ ክትክእል ሃገር ቦቆል ቋንቋታት ብቴክኖሎጂ ምምዕባል ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ቋንቋታት ንኮምፒውተር ናይ ምፍላጥ መርሃ ግብሪ ከምዘለዋ ኣገንዚበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment