ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ዝተደገፈ ዲጂታል “ስቴትስኮፕ” ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ንግልጋሎት ድሉው ኮይኑ።
እቲ ሓዱሽ ዲጂታል ስቴትስኮፕ ንሰብ ሞያ ሕክምና ናይ ምፍላጥ ስነ – ስርዓት ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ተኻይዱ፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ሜዲካል ዳይሬክተር ዶ/ር ኣብዱራዛቅ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ – ስርዓት ከምዝበሉዎ÷ እቲ ቴክኖሎጂ ናብ ሃገር ምእታዉ ፈላማይ ዲጂታል “ስቴትስኮፕ” ዝጥቀም ሆስፒታል ገይሩዎ፡፡
ኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ዝተደገፈ ዲጂታል “ስቴትስኮፕ” ብምጥቃም ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ቀፂላ ካብ ኣፍሪካ ካልአይቲ ሃገር ኢያ ምባሎም ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ዲጂታል “ስቴትስኮፕ” ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተለመዱ መሳርሒታት ምርመራ ብዝተፈለየ ፅሬት ዘለዎ ሓበሬታ ምስ ውፅኢቱ ዝገልፅ ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com