ኢትዮጵያ ብተጋድሎ ደቃ ሽማ ኣብ ኣደባባያት ዓለም በሪኹ ምርኣዩ ክቕፅል ኢዩ- ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብተጋድሎ ደቃ ሽማ ኣብ ኣደባባያት ዓለም በሪኹ ምርኣዩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ  ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መዓርግ ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሜክራሲን መክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም፥ ኣብ ፓሪስ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ብኣትሌት ታምራት ቶላ ኣቢላ ሜዳሊያ ወርቂ ብምርካባ እንቋዕ ደስ በለኩም ዝብል መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣመሓላለፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥  ኣብ ፓሪስ ኦሊምፒክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶም ደቂ ተባዕቲዮ ጅግና ኣትሌት ታምራት ቶላ ብዘመዝገቦ ዓወት ኣዝዩ ልዑል ሓጎስ ተሰሚዑኒ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ብድሙቕ ተጋድሎ ደቃ ሽማ ኣብ ኣደባባያት ዓለም በሪኹ ምርኣዩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment