ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣህጉር ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ማይ ንኽረጋገፅ እናሰርሐት ምዃና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብብሄራዊን ብብርኪ ኣህጉርን ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ማይ ንኽረጋገፅ ግደኣ እናተዋፀአት ምዃና ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ማይ “ውሃ ንሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓለም ለኸ ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተኸቢሩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ማሙሻ ሃይሉ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ማይ ብማዕርነትን ፍትሓዊነትን ምጥቃም ግቡእ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣህጉርን ብሄራዊን ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ብዘላቕነት ንኽረጋገፅ እናሰርሐት ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ብብርኪ ኣህጉር ኣብ ማዕርነትን ፍትሓዊነትን ዝተመሰረተ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ንኽህሉ ርኡይ ግደ ከምዝተፃተት ኣብሪሆም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ሓረስቶት ኣጠቓቕማ ማይ ብዝምልከት ግንዛበ ንኽጭብጡ ከምዝተገበረ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ÷ በዚ ድማ እቲ ሃፍቲ ብግቡእ ኣብ ረብሓ እናውዓሉ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

እቲ ሚኒስቴር ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ብግቡእ ንምምሕዳር ዝተዋደደ ምሕደራ ሃፍቲ ማይ ከምዝተሓንፀፀ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment