ኢትዮጵያ ብ”ቤልት ኤንድ ሮድ” ተደጊፋ ንግዲ ወፃኢ ተሳልጥ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣካል ”ቤልት ኤንድ ሮድ” ብዝኾነ ኣገልግሎት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ኣቢላ  ንግዲ ወፃኢ ተሳልጥ ከምዘላ ተገሊፁ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ቡናን ቆርበትን ናብ ወደብ ጂቡቲ ብምብፃሕ እቲ ኣገልግሎት ልዑል ሓገዝ ይገብር ከምዘሎ ድማ ተሓቢሩ።

ቻይና ዕላዊ ዝገበረቶ “ፕሮጀክት ቤልት ኤንድ ሮድ” ቅድሚ ምትግባሩ ኢትዮጵያ ንግዲ ወፃኢ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጂቡቲ ንምብፃሕ ብውሕዱ ሰለስተ መዓልታት ይውድእ ከምዝነበረ ሲ ጂ ቲኤን ፀብፂቡ።

እቲ ፕሮጀክት ድሕሪ ምትግባሩ ድማ ኣብ ውሽጢ 20 ሰዓታት ይበፅሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ባቡር ንመገደኛታትን ፅዕነትን ኣገልገሎት ምሃብ ብዘኽእል መገዲ ምዝርግሑ እተ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ።

ካብ ኢትዮጵያ ዝፈሪ (ሜድ ኢን ኢትዮጵያ) ዝብል ንግዲ ወፃኢ ብባሕሪ ኣቢሉ ናብ ኤሲያን ኣውሮፓን ምልኣኽ ዘኽእል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባቡር-ባሕሪ ዕላዊ ምግባር ከምዘኽእል ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment