ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብኽእለት ዝደንፈዐን ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ኣብ ሃገረ ስዊድን ምስ ዝርከብ ኩባኒያ “ሚልዮማንኒግ” ብሓባር ንመስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪማ።
እቲ ስልጠና ክእለት÷ ኢትዮጵያውያን ሕጋዊ ብዝኾነ ስርዓት ኣሰራርሓ ስዊዲን ሓዊሱ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝገብሩዎ ጉዕዞ ካብ ምቅልጣፍን ሓደሽቲ ክእለታት ክረኽቡ ካብ ምግባርን ሓሊፉ ዕድጋ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምስንዳእ ልዑል ግደ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ካብ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ዕዳጋ ስራሕ ዓለም ንምጥቃምን ፍልሰት ብግቡእ ንምምሕዳርን ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ድሌት ዘለዎም ዜጋታት እኹል ፍልጠትን ክእለትን ክሕዙን መሰልን ድሕንነቶምን ተሓሊዩ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሕጋዊ ብዝኾነ መገዲ ተዋፊሮም ተረባሕቲ ንኽኾኑ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስርዓት ኣሰራርሓ ከምዝዘርገሐ ኣፍሊጡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com