ኢትዮጵያ ብሰላምን ምትሕብባርን ምልማዕ ትደሊ ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብሰላምን ምትሕብባርን ምልማዕ ትደሊ ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ንሰላም ዘድሊ ዋጋ ኩሉ ክንከፍል ኢና ኢሎም።

ብግልፂ ዝረኣይ ሓደጋ ክሳብ ዘይመፅአ ምስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኲናትን ጎንፅን ኣየድልን ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀገም ዘድሕንን ዘውፅእን ስራሕ እንተይተሰርሐ ህዝቢ ንኲናት ኣንጊዶም ንጉድኣት ኣቃሊዐምዎ ኢዮም።

ከባቢኡ እናሓለወ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈፂሞም ኢዮም።

እቲ ዘጋጠመ ጎንፂ ንከየጋጥም ብዙሕ ግዜ ተለሚኖም ኢዮም፤ ይኹን እንበር ኣይተኽኣለን ኢሎም።

ኣብ እዋን እቲ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ጁንታ ዘነፃፀረ ንክኸውን ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፀገም ንከየጋጥም ልዑል ጥንቃቐ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ትካላት ጥዕና ስራሕ ንክጅምራ ተሰሪሑ ኢዩ፤ ስራሕቲ ግብርና ንክስራሕ እውን ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

100 ቢሊየን ብር ንፀገም መፍትሒ ወፃኢ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ከይዲ እውን ጥፍኣት ዝፈፀሙ ተቐፂዖም ኢዮም ትምህርቲ እውን ተወሲዱ ኢዩ፤ እዚ ሰሜን ነፃ ወፂኡ ኢዩ።

በቲ ጁንታ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣፅዋራት እውን ተመሊሶም ኢዮም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንክመስልን ንክውደብን ዕድል ተረኺቡ ኢዮ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንምፍልላይ ዝተፈተነ ፈተነ ኪሳራ ኣጋጢሙ ኢዩ።

ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ብዙሕ ሰብን ገንዘብን ስኢንና ኢና ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment