ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ዘተኣማምን በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ፃዕሪ ክትቅፅል ኢያ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ኣማራፂ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ነቲ ሕጋዊንሰላማዊን ዝኾነ ሕቶኣ ስዒቡ ብፍላይ መስ ፌዴራላዊ መንግስቲ ሶማሌ ዝተፈጠሩ ኣፈላላያት ክሳብ ዝፍትሑ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕራ ከምእትቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሊባኖስ ብዘሎ ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያዊያን ካብ ሊባኖስ በህፁፅ ንክወፅኡ ዝግበር ነባራዊ ኩነታት ከምዘየለን ካብ መንግስቲ እታ ሃገር እውን እንተኾነ መንግስታት  ሃገራት ወፃኢ ዜጋታቶም ንከውፅኡ ዘይምሕታቱ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ዜጋታት ተረጋጊዖም ክነብሩ ከምዝግባእ ገሊፆም።

እቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ናዕቢ እንድሕር ዝሰጋገር ኮይኑ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኢትዮጵያዊያን ሓደጋ ንከየጋጥሞም መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ብቕርበት ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ሶማሊያ ድሕሪ ልኡኽ ዓቃቢ ሽግግር ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ምውፋር ሓይሊ ኣብቲ ቀጣና ሓዱሽ ውጥረት ብምፍጣር ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ሓደጋ ክፈጥር ብዘየኽእል መገዲ ብጥንቃቐ ክዋፈር ከምዝግባእ ኢትዮጵያ ትኣምን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሶማሊያ  ወታደር ከምዘዋፀአት ሃገር፣ ከም ጎረቤት፣ ብፅሒት ፀፅታን ድሕንነትን ከምዘለዋ ሃገር ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጉዳይ ብቕርበት ትከታተሎ ከምዘላ ኣብሪሆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment