ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብምግቢ ርእሳ ንኽትክእል ወሰንቲ ስጉምቲታት ትወስድ ኣላ ክብሉ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣኪንዉሚ ኣድሲና ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ምስ ሚኒስትራት ልምዓት ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ዝበሩዎ ዘተ ከምዝሓበሩዎ፥ ምስ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ተተሓሒዙ ኣፍሪካ ልዕሊ 30 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ሕፅረት ቀረብ ምግቢ ኣጋጢሙ ኢዩ፡፡
እቲ ኲናት ብፍላይ ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝኣትዉ ፍርያታት ስርናይ፣ ምሸላባሕሪን ኣዳጉራን ናብታ ኣህጉር ብብዝሒ ከይኣትዉ ምግባሪ ኣብሪሆም።
ቅልውላው ምግቢ እናተፈጠረ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ኢትዮጵያ ብፍርየት ምግቢ ንባዕላ ንምኽኣል ወሰንቲ ስጉምቲታት ዝወሰደት ኣፍሪካዊት ሃገር ኢያ ኢሎም።
እታ ሃገር ምስ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ጉዳይ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ብሓባር ምስራሓ መፍረያይነት ምዕባያ ገሊፆም፡፡
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ልዕሊ 61 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ሙቐት ክፃወር ዝኽእል ዘርኢ ስርናይ ንኢትዮጵያ ከቕርብ ከምዝኸኣለ ኣገንዚቦም፡፡
ብዝቐረበ ዘተመሓየሸ ዘርኢ እውን ኢትዮጵያ ተልመዖ መጠን ፍርያት ስርናይ ክተስፍሕ ኣኽኢሉዋ ዝበሉ እቶም ጵሬዚዳንት፥ ኣብ 2018 ዝነበረ 50 ሄክታር መሬት ሽፋን ፍርያት ስርናይ ናብ 167 ሺሕ ሄክታር፣ ኣብ 2022 ድማ ናብ 400 ሺሕ ሄክታር ምዕባዩ ኣመልኪቶም፡፡
እታ ሃገር 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ፍርያት ዝኣከበት እንትትከውን፥ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ናብ ኬንያን ጅቡቲን ምልኣኽ ንምጅማር ከምዝሃቀነት ተገንዚበ” ክብሉ ምዝራቦም ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።