ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ሶማሊያ ዝወሃቡ ናይ ምትንኻፍ መግለፂታት ብቐረባ እናተኸታተለት ከምዝኾነት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሶማሊያ ብተደጋጋሚ ዝህቦም ናይ ምትንኻፍ መግለፂታት ኢትዮጵያ ብቐረባ እናተኸታተለት ከምዝኾነት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ መንግስቲ ሶማሊያ ካብ ዘቕርቦም መሰረት ዘይብሎም ክሲታት ብተፃራሪ ኢትዮጵያ ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ሓው ህዝቢ ዝኾነ ህዝቢ ሶማሊያ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝኾ እዋን መስዋእትነት እናኸፈለት ከምትርከብ ኣመልኪቱ፡፡

ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ንዳግመ ህንፀት ሶማሊያ ዝኸፈለቶ ዋጋ ብዝረሰዑ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር እናተፈነዋ ዝርከቡ ብዙሓት ሓላፍነት ዝጎደሎ ክሲ ከምዝሓዘነት እቲ መግለፂ ኣልዒሉ፡፡

ብምዃኑ ንዞባዊ ናፅነት፣ ባህላዊ ምትእስሳር፣ ብደምን ረሃፅን ዝተሃነፀ ታሪኻዊኻክብ ኣብ ግምት ብምእታው ኢትዮጵያ ንዝተፈነዉላ መሰረት ኣልቦ ክሲታት መልሲ ንመሃብ ከምዘይመረፀት ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ ክንድዚ ኢትዮጵያ ንሓበራዊ ተረባሕነት እተን ሃገራት ትዕግስቲን እወንታዊ ተሳትፎን ከምዝመረፀት እቲ መግለፂ የመላኽት፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝግበሩ ጉዳያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ቀለልቲ ኣፅዋራት ብዝለዓለ ብርኪ ከምዘተሓሳስባ ክስመረሉ ከምዝግባእ እውን እቲ መግለፂ ኣገንዚቡ፡፡

ኣበቲ ዞባ ጎንፂታት፣ ኣብ ዘይፍተሹ ናይ ጠረፍ መስመራት ከምኡ እውን ኣብ ዶባት ፀገማት ድሕንነት እናተሓመሰ ብምዃኑ ሃገራት እቲ ዞባ ከምዚ ዝበሉ ገበናት ንምውጋእ ሓይለን ንምትእኽኻብ ከምዝግደዳ ኣመልኪቱ፡፡

ኢትዮጵያ ግብረ ራዕዲ፣ ዝውውር ትሑትን ቀሊልን ጦር መሳርሒ ከምኡ እውን ናይ ፈጠራ ፈንጂታ ንምክልኻልን ምውጋእን ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዋ እውን እቲ መግለፂ ኣስሚሩሉ፡፡

ኣብ መወዳእታ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ሓው ህዝቢ ሶማሊያ ኣብ ሰላም፣ ምርግግእ፣ ዕቤት ቁጠባዊ ሃፍቲን ዞባዊ ምትሕብባርን ክቕፅል ካብ ምግባር ጠጠው ከምዘይትብል ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment