ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ዕደና ዝተዓደለት ትነኣድ ሃገር ኢያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ዕደና ዝተዓደለት ትነኣድ ሃገር ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን፣ ኣብ ዓውዲ ዕደና ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ፣ ዲፕሎማታትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ካብ 14 ክሳብ 18 ሕዳር 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ መበል ካልኣይ ኤክስፖ ዕደናን ቴክኖሎጂን ተኸፊቱ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቲ ሃፍቲ ብምልማዕ ንመፃኢ ትውልዲ ዝሓሸት ሃገር ክነረክብ ኣለና ኢሎም።

ሎሚ መዓልቲ ዝተኸፈተ ኤክስፖ ዕደናን ቴክኖሎጂን ዓቕሚ ዕደና ኢትዮጵያ ብምርኣይ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ኢንቨስትመንት ዘነቓቕሕ ኢዩ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ንምምዕባል ዘለዋ ባህጊ ዕላዊ ንምግባር ጠመተ ሂባ ካብ እትሰርሐሎም ዓውዲታት ሓደ ዓውዲ ዕደና ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ዕደና ንምፍላጥ ይስራሕ ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ብዙሓት ዝነኣዱ ተግባራት ከምዝተዓመሙ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሃፍቲታት መዓድን ከምዘለዋ ምርግጋፅ ምኽኣሉ ሓቢሮም።

ኣብቲ ኤክስፖ ልዕሊ 90 ኩባንያታት ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ ኣፍረይቲ ወርቂ፣ ክባር መዓድናት፣ ሓፂን፣ ቴክኖሎጂን ካልኦትን ኩባኒያታት ፍሪያቶም ከምዘፋልጡ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment