ኢትዮጵያ ብሃንደበታዊ ሕልፈት ምክትል ፕሬዚዳንት ማላዊ ዝተሰመዓ ሓዘን ገሊፃ

አዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምክትል ፕሬዚዳንት ማላዊ ሳውሎስ ቺሊማ ሓዊሱ ናይ ትሽዓተ ሰባት ህይወት ብዝቐጠፈ መስካሕኽሒ ሓደጋ ኣውሮፕላን ዝተሰመዓ መሪር ሓዘን ገሊፃ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓዘን በቲ ሓደጋ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ስድራቤታት፣ ዘመድ ኣዝማድ፣ ንህዝቢን መንግስቲን ማላዊ ሓዘኑ ብምግላፅ ፅንዓት ተመኒዩ፡፡

ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣብዚ ናይ ሓዘን እዋን ኣብ ጎኒ ህዝቢን መንግስቲን ሪፐብሊክ ማላዊ ከምዝኾኑ እቲ ሚኒስቴር ኣረጋጊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment