ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ኣብ ዝፀወዖ ኣኼባ ዝመሓላለፉ ውሳነታት ከምዘይትቕበል ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሎሚ መዓልቲ ዓርቢ ክካየድ ኣብ ዝፀወዖ ፍሉይ ኣኼባ ከምዘይቕበሎን ኣብቲ ኣኼባ ዝመሓላለፉ ውሳነታት ኣብ ኢትዮጵያ ተፈፀምቲ ከምዘይኾኑን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምስ ኩነታት ሰበኣዊ መሰል ክልል ትግራይ ተተሓሒዙ ኣብ ሎሚ መዓልቲ ዓርቢ ክካየድ ዝተፀወዐ ፍሉይ ኣኼባ ዝካየደሉ ስነ-ስርዓት ኣመልኪቱ ቢሮ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ምክልትል ተወካሊት ኢትዮጵያ ኣብ ውሕመ ኣምባሳደር ማህሌት ሃይሉ ተረኺበን ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግልፂ ኣረዲአን።

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፀውዐ ፍሉይ ኣኼባ፥ ኣሰራርሓ ደምቢ እቲ ቤት ምኽሪ ዘይተኸተለን እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ወፃእ ንፖለቲካዊ ድሌት መጥቀሚ ዝገብርን ከምኡ እውን ኣብ ኣባል ሃገራት እቲ ቤት ምኽሪ ኣድልዎ ንኽፍፀምን ብተመሳሳሊ ጉድኣት ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት ንኽኽተል ብምግባር ትካላዊ ሓላፍነቱ ዘራኽስ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ኣባል ሃገራት ነዚ ዘይተገበአ ኣሰራርሓን ሓደ ሓደ ኣባል ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ሽፋን ብምግባር ፖለቲካዊ ድሌተን በቲ ቤት ምኽሪ ኣቢለን ንምፍፃም ዝገብረኦ ፃዕሪ ብምምኹናን ትካላዊ መምርሒታት እቲ ቤት ምኽሪ ተሓሊዮም ንኽፀንሑ ብፅቶም ንኽዋፅኡ ሓቲተን።

“ዝተፀውዐ ፍሉይ ኣኼባን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ ውሳነ ንኽሃበሉ ተባሂሉ ዝቐረበ ረቂቕ ውሳነ ሓሳብ ምስ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዝፃረር ስለዝኾነ፥ እቲ ኣኼባ ይኹን እቲ ረቂቕ ውሳነ ሓሳብ ንኽረዙ ነሓትት” ኢለን።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment