ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ፈተና ናብ ዓወት ዝልውጥ ተዓዋታይ ሰራዊት ኢያ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣15 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ፈተና ናብ ዓወት ዝልውጥ ተዓዋታይ ሰራዊት ኢያ ክብል ኣገልግሎት^ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት፥ “ብዝተፈተነ ቁፅሪ ዝፀንዕ ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝኽበር ዘሎ  መበል 116 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ መልእኽቱ፥ 15 ጥቅምቲ 1900 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ታሪኽ ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ዕለት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ትካላዊ መልክዕ ብምልባስ ብብርኪ ሚኒስቴር ዝተጣየሸሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ 116 ዓመታት ዘቑፀረ፣ ብቅብብል ትውልዲ ፀኒዑ ዝነበረን ሃገር ናይ ዘፅንዐን ትካል ሰራዊት ምክልኻል  በዓልቲ ዋና ምዃና ኣብዚ ሐዚ እዋን ንጠንካራ ትካላዊ ህንፀት ትልምና ከም ታሪክ ዝውሰድ እወንታዊ ኣካል ታሪክና ብምዃኑ እዚ ዕለት ብብርኪ ሃገር ይኽበር ኣሎ ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ዝተጣየሸሉ ዕለት ጀሚሩ ወነ፣ ፍቕሪን ጅግንነትን ሃገር፣ ብምልባስ ቀፂሉ ኣሎ እወን ኢሉ።

ብመስዋእትነት ደም ብዝተፅሓፈ ዘኹርዕ ታሪክ ሃገር እናድሓነ ሎሚ በፂሑዎ ኣብ ዘሎ ብራኸ ንክበፅሕ ቃልኪዳኑ ሃገር ኢትዮጵያ ጥራሕ ኢያ ክብል እውን ኣብሪሁ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓደ ክፍለ ዘበን ዝተሳገረ ታሪኩ ሃገር ኣፅኒዑ፣ ሉእላውነት ኣኽቢሩ፣ ግዝኣታዊ ሓድነትና ሓሊዩ፣ ብደምን ኣዕፅምቱን ኢትዮጵያ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ኣሰጋጊሩ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ፈተናታት ብፅንዓትን ጅግንነትን እናተሳገረ ተዓዋታይ ሰራዊት ብምዃን ይቕፅል ኣሎ ክብል ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment