ኢትዮጵያ ቅድሚ 5 ዓመት ካብ ዝነበራ 32 ሚኢታዊት ፅዕንቶ ልቓሕ ወፃኢ ናብ 17 ሚኢታዊ ወሪዱ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሳላሳይ ዘበን ስራሕ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ን1 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም።

ንልዕሊ 150 ሺሕ ዜጋታት ድማ ኣብ ወፃኢ ዓድታት ምውፋር ስራሕ ዕድል ከምዝተጠዓዓመ ገሊፆም።

ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ምስሓብ ከምዝተኽኣለ አውን ኣብሪሆም።

ናይ ለውጢ መንግስቲ ካብ ዝኾርዓሎም ዓወታት ሓደ ቅነሳ ፅዕንቶ ዕዳ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ቅድሚ 5 ዓመት ካብ ዝነበራ 32 ሚኢታዊት ፅዕንቶ ልቓሕ ወፃኢ ናብ 17 ሚኢታዊ ምውራድ ከምዝተኽኣለ ኣገንዚቦም።

መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓማውቲ ምንም ዓይነት ኮሜርሻል ልቓሕ ከምዘይወሰደ እውን ገሊፆም።

ብተፃራሪ ኢትዮጵያ ካብ 2011 ክሳብ 2015 ዓ.ም 9 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ልቓሕ ምኽፋል ከምዝኸኣለት ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment