ኢትዮጵያ ስደተኛታት ብምትእንጋድ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘለዋ ምሕዝነት ኣርኢ – ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፈተናታት የጋጥሙዋ እምበር ስደተኛታት ብምትእንጋድ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘለዋ ምሕዝነት ኣርኢያ ክብል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገሊፁ።

ኣብ ውሕመ ተወካሊ ኤጀንሲ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ማማዱ ዲያን ባልዴ ንኣልጀዚራ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብዝሓለፉ ኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ ሶማሊያ ግዝኣት ሶል ብዝተፈጠረ ናዕቢ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ጉዱኣት ኣካልን ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም።

ኢትዮጵያ ዋላኳ ፀገማት የጋጥሙዋ እምበር ካብ ሶማሊያ ዝመፅኡ ስደተኛታት ብምሕላውን ምክንኻንን ዓለም ለኻዊ ምሕዝነታ ክተርአኢ ከምዝኸኣለት ተዛረቦም፡፡

እቶም ስደተኛታት ኣብ ክልል ኢትዮጵያ ሶማሌ ኣብ ዝርከባ 13 መዕቖቢ ከምዝርከቡ ዝሓበሩ እቶም ተወካሊ÷ ኣብ ውሽጢ እቶም መዓስከራት ማይ፣ መፅለሊ፣ ሓለዋ፣ ትምህርቲን ምግቢን ቅድሚት ዝወሃቦመም ኣገልግሎታት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

እቶም ስደተኛታት ብዝተኸኣለ ቅልጣፈ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምቹው ሃዋህው ምፍጣር ከምዘድሊ እውን እተም ተወካሊ ኣገንዚቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment