ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ደቡብ ሱዳን ንምሕጋዝ ቆራፅ ከምዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድ ገሊፆም።
ንሓደ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ደቡብ ሱዳን ጁባ ዝኣተዉ ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ÷ ምስ ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ሳልቫ ኪርን ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዝደንት ሪክ ማቻርን ከምዝተዛተዩ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ደቡብ ሱዳን ንምሕጋዝ ዘለዋ ቆራፅነት ነቶም መራሕቲ ከምዘገለፁሎም እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብሪሆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፥ “ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝፀናሕናሉ እዋን ነዓይን ንጉጅለ ልኡኸይን ዝገበሩልና ኣቀባብላ የመስግን” ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube