ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብታ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብታ ብምትሕብባር ኣብቲ ዞባ ዘሎ ፀገም ሰላምን ፀፅታን  ብምፍታሕ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባራ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ኢጋድን ጎረባብቲ ሃገራትን ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውል ገሊፆም።

ምስ ኤርትራ ቅድሚ ሰለስተ ዓማውቲ ዝተጀመረ ስምምዕነት ልዑል ዋጋ ከምዘለዎ ኣምባሳደር ፍስሃ ተዛሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም እንተዘይፍጠር ነይሩ ኢትዮጵያ ሕዚ ዘለትሉ ኩነታት ዝኸፍአ ክኾን ይኽእል ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ርክብ እውን ኣብ ኢኮኖሚ፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ጥንኩር ኣመራርሓን ዝቐፀለ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሶማሊያ ከምሃገር ንኽትቅፅል ኣበርክቶ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር፥ ክልተኣዊ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ምስ ኬንያ እውን ኣብ ፖለቲካን ፀፅታን ሰናይ ርክብ ከምዘሎ ብምልዓል ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ እውን ጥንኩር ርክብ የድሊ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ካሊእ ጎረቤት ሃገር ዝኾት ደቡብ ሱዳን ዘለዋ ጥንኩር ርክብ ከምዘለዋን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018 ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ታ ሃገር ተግባራዊ ንኽኸውን ኢትዮጵያ ግደኣ ከምትዋፃእን ገሊፆም።

ኣብ ጎረባብቲ ከባቢታት ምንቅስቓስ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ንምግታእ ብሓባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።

ኢትዮጵያ ሰናይ ጉርብትና ንምቕፃል ዝተፈጠሩ ፀገማት ብዘላቕነት ብዘይ ፀገም ፀፅታ ንኽፍትሑ ኩሉ እዋን ንዝልዝብ ቅድሚት ከምትህብ ኣግዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment