ኢትዮጵያ ምስ ዩጋንዳ ዘለዋ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ብዕቱብ ከምትሰርሕ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ዩጋንዳ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ብዕቱብ ከምትሰርሕ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዩጋንዳ እፀገነት በዛብህ ገሊፀን።

ኣምባሳደር እፀገነት፥ ደብዳበ ሹመተንን ካብ ፕሬዚዳንት ሳሃለወርቅ ዘውዴ ዝተለኣኸ መልእኽቲ ሰናይ ትምህኒትን ንፕሬዚዳንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣቕሪበን።

ኢትዮጵያ ምስ ዩጋንዳ ዘለዋ ርክብ ስትራቴጂካዊ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ኣምባሳደር÷ እተን ሃገራት ዘለወን ዝጠንከረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝበለፀ ንኸጠናኽራ፣ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከምኡ እውን ኢኮኖሚያዊ ርክብ ንምድንፋዕ ብዕቱብ ከምዝሰርኻ ገሊጠን፡፡

ፕሬዚዳንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ብግደኦም÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ታሪኻዊ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክልተኣዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ብቕርበት እናሰርሑ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

ኣምባሳደር እፀገነት ኣብ ዩጋንዳ ዕዉት ፃንሒት ስራሕ ንኽህልወን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

#Ethiopia #Uganda

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment