ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ፖሊሲ ምርምር ምግቢ ብሓባር ንምስራሕ ሰነድ ስምምዕነት ፈሪማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ምስ ዓለም ለኸ ትካል ፖሊሲ ምርምር ምግቢ  ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ (ዶ/ር)ን መቐመጢኡ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ዝገበረ ዓለም ለኸ ትካል ፖሊሲ ምርምር ምግቢ (ኣይኤፍፒኣርኣይ) ጆን ስዊነን ፈሪሞምዎ፡፡

ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ምስቲ ትካል ኣብ ህንፀት ዓቕሚን ስግግር ፍልጠትን ክብ ንምባል ዘኽእሉ ምርምራት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ልምዓት መስኖ ተተሓሒዙ ኣብ ማይ ዝጠመቱ ምርምራት ፖሊሲ ከምኡ እውን ኣብ ቆላማ ከባቢታት መስኖ መሰረት ዝገበሩ ምርምራት ምክያድ ከምዝሓውስ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment