ኢትዮጵያ ምስ ኣዘርባጃን ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ኣዘርባጃን ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ጉባኤ ምንቅስቓስ ዘይሻራዊ ሃገራት ንምስታፍ ናብ ርእሰ ከተማ ኣዘርባጃን ባኩ ትማሊ ኣቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትር፥ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣዘርባጃን ጄይሁን ባይራሞቭ ኣብ ክልተኣዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ እዋን፥ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ታሪኻዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስጋር ከምዝግባእን በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲያዊ መድረኽን ምጥንኻር ከምዝግባእ ገሊፆም።

እናዓበየ ዝመፅአ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንኽጠናኸር ብቀፃሊ ክንሰርሕ ኢና እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻልን ፀፅታን፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ቴክኖሎጂን ፐብሊክ ሴክተርን ምስ ኣዘርባጃን ብምትሕብባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ሰብ ሃፍቲ ኣዘርባጃን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ንኽሳተፉ ፃውዒት ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ ክልቲአን ሃገራት ፖለቲካዊ ምይይጥ ንምግባር ድሌት ከመዘለወን እውን ኣልዒሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣዘርባጃን ጄይሁን ባይራሞቭ ብግደኦም፥ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድንፋዕ ቆራፅ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ መንግስቲ ዝወሰዶ ሓላፊነትን ቆራፅ ኣመራርሓን ንኢዶም።

ኣዘርባጃን ኣብ ምትሕብባር ትምህርቲ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ኣብ ላዕለዎት ትካላት እታ ሃገር ንኽመሃሩ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ከምትህብ እውን ገሊፆም።

ጉባኤ ምንቅስቓስ ዘይሻራዊ ሃገራት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ክካየድ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ልኡኽ ከምትሳተፍ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment