ኢትዮጵያ ምስ ኣባል ሃገራት ብሪክስ  ዘለዋ ሽርክና ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ከምእትሰርሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ኣባል ሃገራት ብሪክስ  ዘለዋ ሽርክና ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ከምእትሰርሕ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ዳባ ደበሌ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዳባ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ጃፓን ኒኮላይ ስታኒስላቮቪች ኖዝድሬቭን ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ረከብ ብዙሕ ዓመታት ዘቑፀረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እተን ሃገራት ኣብ መድረኽ ብሪክስ ብምትሕብባር ናይ ምስራሕ ዕደል ምፍጣሩ እወንታዊ ኣጋጣማ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ዳባ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ምስ ኣባል ሃገራት ብሪክስ  ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ሳይንስ፣ ግብርና፣ ንግዲ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢነርጂ ን ክሌማዊ ለውጢን ብምትሕብባር ንምስራሕ ቁርፀኛ ኢያ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኒኮላይ ስታኒስላቮቪች ኖዝድሬቭ ብግደኦም፥ ብሪክስ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ሕውነት ንምጥንኻር እወንታዊ ዕድል ዝፈጠር ኢዩ ኢሎም።

 

 

Comments (0)
Add Comment