ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ዘለዎ ርክብ ንክሕርፍፍ ባህጊ ኣይብላን-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ግንቦት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ዘለዎ ርክብ ንክሕርፍፍ ባህጊ ኣይብላን ክብል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር አምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ ዝተዳለወትሉን ዝሓሸ ኣካይዳ እናኸደት ኣብ ዘለትሉን እዋን እገዳ ቪዛ ኣድላዪ ኢዩ ዝብል እምነት ኣይብልናን ኢሎም።

ጉዳይ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ኢትዮጵያ ትኹረትን ባህጊን ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፥ 120 ዓመታት ዝፀንሐ ርክብ ዘለወን ሃገራት ነቲ ርክብ ዘይምጥን ኣካይዳ ክፅናዕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ናብ ቻይናን ሩሲያን ገፃ አዚራ ኢያ ብዝብል ዝግለፅ ሓሳብ ዝተሰሓሓተ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ምስ ዝኾነ ይኹን ሃገር ዘለዋ ርክብ ናይ ምጥንኻር ቁርፀኝነት እንበር ኣብ ውሽጢ ኣማራፂ ዘይትኣትወሉ ኣካይዳ ከምዘይብላ ኣረዲኦም።

ካሊእ ሃገር ክሳብ ዝደለየን ብሄራዊ ረብሓናን ሰላምናን ክሳብ ዘይነኽአን ምስ ዝኾነ ይኹን ሃገር ዘለና ርክብ ናይ ይ ምጥንኻር ባህጊ ኣለና ኢሎም።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment