ኢትዮጵያ ምስ ቻይና እትገብሮ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኣብ መትከል ናጽነት ዝተመስረተ እዩ – ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ቻይና እትገብሮ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኣብ መትከል ምኽባር ፖለቲካዊ ናጽነት ዝተመስረተ እዩ ክብሉ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ገሊፆም፡፡

ስነ-ስርዓት ምረቓ ማእኸል ዓለም ለኻዊ ፕሮሞሽን ልምዓት÷ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዩ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ቤጂንግ ተኻይዱ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣይተ ተሾመ ቶጋ ንዓለም ለኸ ኢኒሼቲቭ ልምዓት ብምውካል ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ምምስራት እቲ ማእኸል ፕሮሞሽን ንምትግባር ዓለም ለኸ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምምችቻው ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ልምዓት ቻይና ኣብ ምምስራት እቲ ማእኸል ንዝወሰዶ ጭቡጥ ስጉምትታት ዘለዎም ናእዳ እውን ገሊፆም።

እቲ ትካል ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ፤ ክልላውን ዓለምለኻውን ትካላት ተዋዲዱ ብምስራሕ ኣብ ምምሕያሽን ምቅልጣፍን ኣፈፃፅማ ዓበይቲ ዛዕባታት ከም ዓለም ለኸ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት፣ ምትግባር ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ምትግባር ዛዕባ ኣዲስ ኣበባ ፋይናንስ ንልምዓትን፤ ካልኦትን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።

ኣምባሳደር ተሾመ ማሕበረሰብ ዓለም ልክዕ ከምቲ ቻይና ዝገበረቶ ኣብ ማዕቀፍ ብሄራዊ ፖሊሲ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ እንተሰሪሑ ውፅኢታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ ምባሎም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

“ምስ ቻይና ዘለና ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኣብ መትከል ምኽባር ናጽነት ፖሊሲ ዝተመስረተ ምዃኑ ብምምሕባር፤ ቻይና ንህዝባ ይጠቅም እዩ እትብሎ ምርጫ ምሕደራን ሞዴል ልምዓትን ነኽብር ኢና” ክብሉ ብኣፅንኦት ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment