ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ስምምዕነት ዞባዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ከምዘጠናኽር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ሰነድ ስምምዕነት ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ክልቲአን ሃገራት ከምዘረጋግፅን ዞባዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ከምዝፈጥርን ገሊፁ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፥ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ በርበራ ወደብ ንነዊሕ እዋን ምጥቃም ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ብዝምልከት ንኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ትካሎም ገለፃ ገይሮም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብሓባር ንኽለምዓ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ብምፍጣር ዕዙዝ ኣስተዋፅ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝጀመረቶ ኢኮኖያዊ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምግላፅ÷ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝኸይድ ብምዃኑ ነዚ ኢኮኖሚ ዘተኣናግድ ወደብን ሎጂስቲክስን ካብ ጅቡቲ፣ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ዝግበር ርክብ ከምዝቕፅልን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር እናደንፈዐ ከምዝኸይድን ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment