ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ኣብ ዝሓሸ መሰረት ተቐምጥ ኣላ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ኣብ ዝሓሸ መሰረትእናቐመጠት ከምዝኾነት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ታንዛንያ፣ ኮሞሮስ፣ ቡሩንዲን ኡጋንዳን ዝገበሩዎ ዑደት ኣፍሪካዊ ምሕዝነት ከጠናኽር ዝኸኣለ ከምዝነበረ ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ገሊፆም።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም÷ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝገበሩዎ ዑደት ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቡዎ ሰሙናዊ መግለፂ÷ ኣፍሪካ ጥንኩር ዲፕሎማሲያዊ ትኹረትን መሰረት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመንፅር ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ተፋሰስ ናይልን ብዝበለፀ ንምትሕግጋዝን ኣብ ምርድዳእ ንምብፃሕን ዝሓገዝ ዑደት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ዝካየድ ሰለስተኣዊ ድርድር ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕብረት ኣፍሪካ ንኽቕፅል ኣብቲ እዋን ዑደት ዝተገበሩ ልዝባት ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እውን ኣልዒሎም።

ኣምባሳደር መለስ ኣብ መግለፂኦም÷ “ብዙሓት ዓለም ለኸ ኩባንያታት እናተሳተፉሉ ዝርከቡ ጉባኤ ኢንቨስትመንት፤ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ሰላም እናበርተዐት፤ ገፃ ፍሉይ ትኹረት ናብ ትህቦ ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ እነዘረት ምዃና ቀንዲ መርኣያ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ዋና ኣዛዚ ጦር ሱዳን ጀኔራል ኣብደል ፈታህ ኣልቡርሃንን ዋና ኣዛዚ ሓይሊታት ህፁፅ ወሃቢ ደገፍ ሱዳን ሞሓመድ ሃምዳን ዳጋሎን ብስልኪ ከምዝተዛተዩ እውን ገሊፆም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ፀገም ሱዳን ብሰላምን ሱዳን ብእትመርሖን ኣካይዳ ጥራሕ መፍትሒ ክረክብ ከምዝግባእ ምዝርራቦምን ኢትዮጵያ እዚ ንኽኸውን ከምትሰርሕን ምርግጋፆም ተዛሪቦም።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment