ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ዓለም፥ ኣብዚ ሰሙን ሰብ መዚ ዝተፈላላያ ሃገራትን መራሕቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም።
ፕሬዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት፥ ዝፀንሐ ጉርብትና ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ተረባሕነት ከብ ንምባል ዝዓለመ ከመዝኾነ ገሊፆም።
እዚ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ዕዉት ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኮሪያ ፓርክ ጂን ሓዊሱ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ሃያሺ ዪሺማሳ፣ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ናሌዲ ፓንዶር ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ብዝምልከት እውን ሓቢሮም።
ከምኡውን ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣኒት ዌበር(ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ዕዉት ፃንሒት ከምዝነበሮም ኣብሪሆም።
እቲ ዑደት ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ዘለዋ ኩለ መዳይን ክልቲኣዊን ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር በዝበለፀ ምጥንኻር ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ብፍሬሕይወት ሰፊው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።